information will be add very soon…

ፕላን ኮሚሽን ትግራይ ኣብ ዝተኣታቶ ዘሎ ሓዱሽ ኣሰራርሓ ትልሚ ምድላውን ምሕደራን በጀት ኣመልኪቱ
ብፓይለት ምስ ዝተሓረያ ኣብያተ ዕዮ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ን4ተ መዓልቲ ዝፀንሐ ስልጠና ሂቡ።ኣብቲ ስልጠና ሓላፊትን ምክትልንኮሚሽና ዝተረኸቡ ኮይኖም ካልኦት ዝምልከቶም ሰልጠንቲ ኮሚሽና ውን ተረኺቦም ዮም።ዋና ዕላማ ናይቲ ስልጠና ሕዚ ንጥቀመሉ ዘለና ኣሰራርሓ ምድላውን ምሕደራን ትልሚ በጀት/ line item budget /
ናብ ሓዱሽ ኣሰራርሓ ምድላውን ምሕደራን ትልሚ በጀት/program budgeting /
ንምእታው ዘኽእል ናይ መጀመርያ ስልጠና ክወሃብ ኪኢሉ ዩ።ኣብቲ ስልጠና ከም ፓይለት ዝተሓረያ ኣብያተ ዕዮ
-ቢሮ ሕርሻ፣ቢሮ ማይ ሃፍቲ፣ቢሮ ፍትሒ፣ቢሮ ጥዕና፣ቢሮ ፋይናንስ፣ኤጀንሲ ልምዓት እቶትን ኮሚሽን ፕላንን እንትኾኑ ኣብ 2018በጀት ዓመት ጎኒ ጎኒ በቲ ሓዱሽ ኣሰራርሓ ክትልማ ትፅቢት ይግበር።ኣሰልጠንቲ ኣይተ ግደይ መንገሻን ኣይተ ኣምሃ ከም ዝገለፅዎ እዚ ሓዱሽ ኣሰራርሓ ትልማ በጀት መብዛሕትኧን ናይ ኣፍሪካ ሃገራት እናተጠቐማሉ ዝርከባ እንትኾና ውፅኢት ማእኸል ዝገበረ ኣሰራርሓ ስለዝኾነ ንዓና ውን ልዑል ጠቐሜታ ኣለዎ ኢሎም።እዚ ኣሰራርሓ እዚ ኣብ 2019 በጀት ዓመት ኣብ ኩለን ኣብያተ ዕዮን ወረዳታትን ከተማታትን ተግባራዊ ከምዝኸውን ወሲኾም ገሊፆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *