ስትራተጂካዊ ዛዕባታት ኮሚሽን ፕላን ትግራይ
ልኡኽ
ትካላዊ ዓቕሚ ብምህናፅን ብቴክኖሎጂ ብምድጋፍን ናይ ነዊሕ፣ማእኸላይን ሓፂርን እዋን ትልሚ ልምዓት ምድላው፤ነዚ መፈፀሚን ቐዳምነታት ዘተኮረ ፍትሓዊ ሃፍቲ ድልድልን ውፅኢታዊ ኣጠቓቕማ ክህሉ ብምግባር፤ራእይና ንምስኻዕ ኣብ ዘኸእል መንገዲ ምህላውና ብመፅናዕትን ትንተናን ዝተመስረተ ስርዓት ክትትልን ገምጋምን ብምዝርጋሕ ኢኮኖሚ ትግራይ ኣብ ዘላቒ ልምዓትዝተመስረተ መዋቕራዊ ለውጢ ብምምፃእ ግልፅነትን ተሓታትነትን ንምዕሳል፣ ድኽነትን ምቕናስ፣ፍትሓዊ ተጠቃምነት ዜጋታት ንምርግጋፅ ዘኽእል ምኽረ ሓሳብን መንግስትን መንግስታዊኣብያተ ዕዮ ንምቕራብ፡፡
ራእይ
ኢኮኖሚ ትግራይ ከተልምን ብትልሚ መሰረት ክትግበርን፣ብዕውትነት ትልምን ትግበራን ማእኸል ተሞክሮ ብምግባር ትግራይ ኣብ 2037 ማእኸላይ እቶት ምስ ዘለወን ዓድታት ተሰሪዓ ምርኣይ።
2.3 ቀንዲ ሓበራዊ ክብሪታት (Core Values)
• ብትልሚ ምምራሕ
• ኣሳታፋይነት
• ግልፅነትን ተሓታትነትን
• ንለውጢ ድልው ምዃን
• ፍትሓውነት
• ቀፃሊ ምምሃርን ዕብየትን
• ምርግጋፅ ፆታዊ ማዕርነት