
ፕላን ኮሚሽን ትግራይ ኣብ መላእ ትግራይ ምስ ዝርከቡ ኣመራርሓ ዕውት ምይይጥ ኣካይዱ።
ኮሚሽን ፕላን ትግራይ ናይ ኩለን ወረዳታትን ከተማታትን ዋና ኣመሓደርቲ፣ከንቲባታት ፣ኣፈ ጉባኤታት፣ሓለፍቲ ፋይናንስን መተሓባበርቲ ልምዓታዊ ትልሚ ብተወሳኺ’ውን ሓለፍቲ ቢሮታት፣ኤጀንሲታትን ኮምሽንን ብድምር ልዕሊ 400 ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ዘሳተፈ መድረኽ ኣብ ከተማ ማይጨው ሎሚ ዕለት 29/9/2017 ዓ/ም ተሳሊጡ።
እቲ መድረኽ ዝኸፈታልና ክብርቲ ኮምሽነር ዶክተር ሃንሳ ተኽላይ እንትኾና ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ‘ውን ተረኺቦም ናይ እንኳዕ መፃኹም መኽፈቲ መደረ ክገብሩ ኪኢሎም ‘ዮም።
እቲ ኣጀንዳ ናይቲ መድረኽ
-ሓድሽ ዝተኣታቶ ዘሎ መስርሕ ትልሚ በጀት/program based budget /ኣመልኪቱ ዝተዳለወ ፅሑፍ ብዳ/ሬት ምድላውን ምሕደራን በጀት ኣይተ ግደይ መንገሻ ዝቐረበ እንትኾን
-እቲ ቀንዲ ኣጀንዳ ናይዚ መድረኽ ካብ 2018-2020 ዝፀንሕ ቀመር በጀት ወረዳታት፣ከተማታትን ኣብያተዕዮ መንግስትን እቲ ዘሎ ውሱን በጀት ፍትሓውን ግልፅነት ዘለዎ ኮይኑ በጀት ድልድል ንምግባር ካብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮ ዝተወፃፅኡ በጀት ቀመር ዘፅንዑ ኮሚቴ ዝረኸብዎ መረዳእታታትን
ናይ ቀመር መዐቀኒታት formula ግልፂ ብዝኾነ መንገዲ ንተሳተፍቲ ብዳ/ሬት መፅናዕትን ትንተናን ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ብኣይተ ሓጎስ ወ/ኺዳን ዘቕረቡ እንትኾኑ ካብ ተሳተፍቲ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት፣ርኢቶታትን ዘቕረቡ ኮይኖም ዝምልከቶም ኣካላት መብርሂ ክህቡ ክኢሎም ዮም። ክብርት ኮምሽነር መጠቓለሊ ሓሳብ እንተቐምጣ ከምእታወት ዝውሰዱ ሓሳባት ከምዘለውን መስተኻኸሊ ዘድልዮም ተፈትሾም ከምዝረኧዩ ብምግላፅ ኣብቲ መብርሂ ዘድልዮ ትኹረት ብምግባር እቲ መድረኽ ክጠቓለል ተኻኢሉ ‘ዩ።